Hilfsnavigation
Volltextsuche

INFORMATIONEN für:

Geflüchtete und Migranten © geralt, human-2944065_1920 / Pixabay
Seiteninhalt

Informationen in Tigrinisch (Eritrea)

Informationen für Menschen mit Migrationshintergrund tigrinisch (PDF, 413 kB, Informationen auf tigrinisch für Menschen mit Migrationshintergrund über das Leben in Deutschland von A bis Z.)

ሓበሬታ ን ናይ ስደት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ደቂ ሰባትን ስደተኛታታትን ተቐማጦ ከባቢ ፕሎን

ብ መጀመርያ እንቃዕ ብደሓን ናብ ከባቢ ፕሎን መጻእኩም! እዚ ሓበሬታ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ከባቢ ፕሎን ናይ መነባብሮ መንገድታት ከተናድዩ ይሕግዝ። ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታታት ብዝተፈላለዩ ቃንቃታት ብ መርበብ ኢንተርነት ኣውራጃ ሽለስዊግ ሆልሽታይን www.schleswig-holstein.de/willkommen ትረኽብዎ። ሓገዝቲ ዝኾኑ እካብ ደኩመንትታትን ናይ ጽሑፍ መምርሒታትን ኣብ Dokumenteትረኽብዎ።

1. ቓንቃ

ምምላኽ ቓንቃ ጀርመን ኣብዚ ሃገር እቲ መሰረታዊ ዝኾነ መስርሕ ኣብ ምትሕንፋጽ ሕብረተ ሰብ እዩ።

ደረጃታት ቓንቃ

ሓባራዊ ኤውሮፓዊ ለካዒ ደረጃታት ነዚ ዝስዕብ ደረጃታት ትምህርቲ ቃንቃ ይትንትን።

A1, A2, B1, B2, C1, C2 Deutsch als Fremdsprache - Levels። ምስ ደቂ ሃገር ጽቡቕ ክትረዳድኡ ምስ ትደልዩ ትምህርቲ ቓንቃ ጀርመን ብውሕዱ B1 ክትበጽሑ ኣለኩም። ዩኒቨርስቲ ክትኣትዉ ምስ ትደልዩ B2 ወይ C1 ከም ዝበጻሕኩም መረጋገጺ ተቕርቡ። ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዩኒቨርስቲ (International Center der Universität) ኬድኩም ብዛዕባ ኣገባባት መእተዊ ዩኒቨርስቲ ኣብ ጀርመን ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ኣብ መርበብ ኢንተርነት http://www.international.uni-kiel.de/en?set_language=en. ።

 

ናይ ቓንቃ ትምህርቲ መደባት

. ህጻናትን መንእሰያትን ካብ 6 ክሳብ 18 ዕድመ ዘሎ ግዜ ክመሃሩ ግዴታ እዩ። ቃንቃ ጀርመን ድማ ብፍሉይ

መደብ ተጌሩሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ይማሃሩ። ንኣብነት፡ ከም ቅልጡፍ መቀራረቢ ትምህርቲ መደባትን

ቓንቃ ጀርመን ከም ካልኣይ ቓንቃን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኣገሳሲ ነጥቢ ኣብዚ ተሎ ፡ ኩሎም ህጻናት ኣብ

ከባቢኦም ዘሎ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ይግባእ። ብድሕሪ ‘ዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ናብ DaZ-Zentren

ይሰዶም።

. ንዓበይቲ ውን ጀርመን ዝመሃርሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ብ መስመር ኢንተርነት (ኣብ ታሕቲ ረእ) ሽፕራኽ

ፓተን ውይ ትምህርቲ ብ ወለንትነት፡ ኣስተምህሮ ኣብ Volkshochschule (STAFF= መባእታዊ

ትምህርቲ ቃንቃ ን ስደተኛታት) ይእንገድ።

. ን ተቐባልነት መንበሪ ዝረኸቡ ስደተኛታት ድማ ኣብ ናይ ምትሕንፋጽ ሕብረተ ሰብ ትምህርቲ ወይ

Integrationskursen ግደታ ክምዝገቡ ይግባእ። ናይ ተቐባልነት መንበሪ ክወሃቡ ከለዉ ብተወሳኺ ናይ

ትምህርቲ ተመዝግብ ጽሕፍቲ ይወሃቡ። ኣብ ከባቢ ፕሎን ዘለዋ ነዚ ኣስተምህሮ ዝህባ ቤት ትምህርትታት

ኣብዚ ትረኽብዎ ESF BAMF Kurse Kiel - Plön - Preetz

. ናይ ሞያ ቓንቃ ድማ ብ ፍሉይ ትምህርቲ ኣብ IQ Netzwerk (Berufsbezogenes Deutsch)

ክትመሃሩ ትኽእሉ።

. ን ናይ ዩኒቨርስቲ ተማሃሮ ድማ ፍሉይ ናይ ቃንቃ ትምህርቲ ኣብ Uni Kiel - International Center

ይወሃብ እዩ።

ኣብ ናይ ቃንቃ ትምህርቲ ንኽትምዝገብ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለው።

1. ብ መስመር ኢንተርነት ትምህርቲ ቓንቃ (ሓደ ምርጫ)፡

. www.dw.com Deutsche Welle ዶቸ ቨለ ኣህጉራዊ ማዕከን ራድዮ ብ ቓንቃ ጀርመን እዩ። ናጻ ዝኾነ

ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ቓንቃታት ድማ ይህብ። ንኣብነት፡

. Ich will Deutsch lernen

. http://www.thegermanprofessor.com

. ንጀማሮ ድማ http://www.refugeephrasebook.de

2. ዞባዊ፡ ኣብ ኣውራጃ ሽለስዊግ - ሆልሽታይን Schleswig-Holstein Kursportal ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ኣስተምህሮታት ብፍላይ ን ስራሕ ዓለም ዘገልግሉ ኣብ ትሕቲ "Sprache" ዝብል ሊስታ ናይ ጀርመን ትምህርቲ ተዘርዚሮም ይርከቡ። ኣብ Kursnet der Arbeitsagentur ውን ናይ ኣስተምህሮ ደረጃታት ትረኽብዎም ኢኹም።

3. ኣብ ከተማ፡ ኣብ ቤት ትምህርትታት ከባቢ ፕሎን Kreisvolkshochschule Plön Heike Zura ከምኡ እውን መደብቲ ትምህርቲ Pierre Leverenz ከምኡ ውን Irene Thies, die lokale Koordination ከምኡ ውን Regionalkoordination der Sprachpatenschaft ተወከሱ።

AWO Integrationscenter Preetz:

. ናይ ቃንቃን ኣፋፍኖትን ኣስተምህሮን

. ኣብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ቃንቃ ን ስደተኛታትን ይህብ።

AWO Bildungszentrum Preetz Migrantinnen und Migranten in der Altenpflege

IQ Netzwerk (Berufsbezogenes Deutsch)

IQ Netzwerk (Qualifizierungsmaßnahmen)

Volkshochschulen im Kreis Plön

Zentrale Bildungs- und Beratungsstelle für Migrantinnen und Migranten (ZBBS)

 

2. ምንባር ኣብ ጀርመን

እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ሓበሬታታት ኣፋፍኖት ናብራ ንኽህልወኩም ይሕግዙ።


ሓፈሻዊ ሓበሬታ

ኣብ መዝገብ ኢንተርነት ናይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (BAMF) Willkommen in Deutschland ብ ዝተፈላለየ ቓንቃታት ብዛዕባ ሓበሬታትን መንገድታትን መነባብሮ ኣብ ጀርመን ተዘርዚሮም ይርከቡ።

 

መብርሂ ን ስደተኛታት (ረፍዩጂ ጋይድ) ድማ ኣተሓሳስባን ልምድታትን ጀርመናውያን ብዝሓሸ መንገዲ ንኽንርድኦም ይሕግዘና። እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ Migration ዝብል ኣርእቲ በብንደልዮ ቃንቃ ንረኽቦ ወይ ድማ ኣብ www.refugeeguide.de ኣቲና ንረኽቦ።

ሓገዝቲ ዝኾኑ ተጠወቕቲ (ሊንክስ) ብዛዕባ ሂወት ኣብ ጀርመን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ፡

www.n-tv.de/marhaba ኣብዚ ድማ ብዛዕባ መናባብሮ ኣብ ጀርመን ብ ዓረብ ቪድዮ ክንርኢ ንኽእል።

 

ምሽማት ኣስፔዛ

ኣብ መዓልታዊ መነባብሮኹም ዘድልየኩም ዝኾነ ነገር ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ደኻኩን ክትረኽቡዎም ትኽእሉ።


1. ክዳውንቲ

ኣብ ብዙሓት ማሕበራት ከባቢ ፕሎን ናይ ካልኣይ ኢድ (ሰኮንዶ ማኖ) እንዳ ኽዳውንቲ ይርከቡ። እዞም እንዳኽዳውንቲ ብ ማሕበራት ግብረ ሰናይን ብ በተኽርስያናትን ዝካየዱ እዮም። ኣድራሻ ናይዚ እንዳኽዳውንቲ ምስ ተደልዩ ኣብዚ ጠውቑ፡ Adressen von gemeinnützigen Second Hand Läden ።

 

2. ኣስፔዛ

ኣብ ዱካናት ኣቲኹም ብብዝሒ ክትገዝኡ ምስ ትደልዩ ሓደ ዩሮ ወይ ቺፕ የእቲኹም ዓረብያ ኣስፔዛ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። እታ ቺፕ ወይ ገንዘብ ኣብታ ዓረብያ ምስ ቀርቀርኩማ እቲ ካቴና ምስ ካልኦት ኣሲርዋ ዘሎ ትብተኽ እሞ ወሲድኩም ክትጥቀሙላ ትኽእሉ። እዚ ኣገባብ ኣብ Willkommenszettel der Stadt Plön ኣቲኹም ብስእሊ መልክዕ ክትዕዘቡ ትኽእሉ።

ኣብ ጀርመን ናይ ትሕጃ ኣገባብ ኣሎ። ከምዘይ ካልኦት ሃገራት፡ ኣብ ጀርመን ናይ ፕላስቲክ መትሓዚ ፈሳሲ ውን ትሕጃ ይኽፈለሉ እዩ። ስለዚ ነቲ መትሓዚ ስቕ ኢልኩም ኣብ ዝኾነ ኣይትግሓፍዎ። ዝኾነ ዓይነት መስተ ኣብ ጥርሙዝ ኮነ ኣብ ጎማ እንተደኣ ገዚእኩም፡ ንዳሕራይ ተጠቒምኩም ምስ መለስኩሞ ዝምለስ ትሕጃ መትሓዚ እቲ መስተ ትኸፍሉ። ይኹን ደኣምበር፡ ኩሉ ጎማታት ኣይኮነን ትሕጃ ዘለዎ። ትሕጃ ዘለዎ ጎማ በቲ ኣብኡ ተለጢፉ ዘሎ ናይ ዳግማይ ጥቕመት (ሪሳይክሊንግ) ምልክት ንፈልጦ።

ስጋ ክንገዝእ ከለና ኣብ መዕሸጊ እቲ ስጋ ዘሎ ትሕዝቶ እቲ ስጋ ክንግንዘብ ይግባእ። ሓደ ሓደ ግዜ ንኣብነት ኣብ ናይ ደርሆ ግዕዝም ናይ ሓሸማ ስጋ ይግበሮ እዩ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ዱካን ከድካ ኣስፔዛ ምግባር ድማ ነቶም እኹል ኣታዊ ዘይብሎም ሰባት ከምኡውን እኹል ኣታዊ ከምዘይብሎም መረጋገጺ ዘለዎም Tafeln ውይ ናይ መግቢ ባንክታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣለኩም። ኣብኡ ድማ ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተዋጽኡ ኣስፐዛታት ይዕደሉ። ሊስታ ናይ Tafeln ኣብ ከባቢ ፕሎን ምስ ትደልዩ ኣብዚ ዝስዕብ ተወከሱ፡ Tafeln

ሓላል (ስጋ ሓሰማ ኣልቦ) ዝኾነ መግብታት ውን ኣብ ፍሉያት ደኻኩን ከተማ ኪል ክትገዝኡ ትኽእሉ።

 

 

ናይ ቀረባ መጋዕዝያ ምድሪ

ካብ ከተማ ወጺእካ ብዘይካ ኣብ ተማሃሮ ዝጋዓዝሉ ግዜታት ብዝሒ ምንቅስቓስ ኣውተቡሳት የለን። ብችግለታ ምስ ትደልዩ ኣብ  lokale Koordination ተወከሱ።

ናይ ባቡራት መጋዓዝያ

ኣብ ከባቢ ፕሎን ካብ ከተማ ሉበክ ናብ ኪል ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ጥራይ ኢየን ዘለዋ። ቲኬት ምስ ትደልዩ ኣብ ምውፋር ባቡር (ባን ሆፍ) ውይ ድማ ኣብ ናይ ቲኬት ማሺን ውይ ውን ኣብ ዉሉዕ መስመር ኢንተርነት (ኦን ላይን) ብ ሞባይልኩም ኣቲኹም ክትዕድጉ ትኽእሉ። ኣብ ናይ ቲኬት ማሺን ብዝተፈላለየ ቃንቃ መሪጽኩም ክትገዝኡ ትኽእሉ። ብኽብረትኩም! ቲኬት ከይ ገዛእኩም ኣብ ባቡር ከይትስቀሉ! ምኽንያቱ ተቖጻጸርቲ ምስ ዝመጹ መቕጻዕቱ ክቡር እዩ። ከም ምኽሪ፡ ትኬት ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ግዕዞ ምስ ትገዝእዎ፡ ብዙሕ ግዜ ብ ሕስር ዝበለ ክትገኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ዋላ ውን ኣብ ብጻዕቂ ሰብ ዝጎዓዘሉ ሰዓታት ዝሓሰረ ዋጋ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ www.bahn.de ኣቲኹም ዋጋታት መገዲ ባቡር ከተናጻጽሩ ትኽእሉ ኢኹም። ለበዋ! እንተ ደኣ እቶም ሰባት ዘይትፈልጥዎም ኮንኩም፡ ናይ ግሩፕ ትኬት ኣይትጠቀሙ።

ኣይ ጐዕዞ ሓበሬታ (ፕላን)

- ናይ ባቡር ኮነ ናይ ኣውቶብሳት ወይ ውን ናይ ጎደና ባቡር (ስትራሰን ባን) ኣብ ኣፕ DB Navigator ኣቲኹም ኣብ

ዝኾነ ቦታ ኮንኩም ክትከታተሉ ትኽእሉ፡፣

- ናይ ኣብዋጃ ሽለስዊግ ሆልሽታይን ህዝባዊ መጎዓዝያ ድማ ኣብ www.nah-sh.de ኣቲኹም ተወከሱ።


ናይ ርሑቕ መጋዕዝያ

ብ ኣውቶብሳት ኣቢልና ናብ ብዙሓት ከተመታታት ኣብ ውሽጢ ጀርመንን ኣብ ምሉእ እውሮፓ ክንጎዓዝ ንኽእል።

www.eurobus.de
www.eurolines.de
www.flixbus.com

ገያሾ ብማኪንኦም ክማልኡና ተደሊና ድማ (ሚትፋር): www.blablacar.de


ስፖርትን ነጻ ጊዘን

ምሕንባስ

ኣብ ከባቢ ፕሎን ብዙሓት ቀላያት ኣለዉ። ሓንቢስኩም እንተዘይትኽእሉ ኮንኩም ኣብ ጫፍ ኮንኩም ማይ ተኣለኹ ውይ ኣብ ዝሕሎ መሐንበሲ ቦታ ከድኩም ተላመዱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ሞት ሓደጋታት ብብዝሒ ስለ ዝተራእየ፡ ዝሕንብስ ሰብ ሒዝኩም ክትላመዱ ንላቦ። ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ንህጻናት ብ መገዲ ቤት ትምህርቶም ይወሃብን ይትግበርን። ብተወሳኺ ናይ ጀርመን ሂወት ኣድሕን DLRG ከምኡ ውን ናይ ገዛውቲ ናይ ስፖርት ማሕበራት ናይ ምሕንባስ ትምህርቲ ይህባ እየን። ናይ መሐንበሲታት ቦታ ከባቢ ፕሎን ኣብዚ ረኣዩ Schwimmbäder im Kreis Plön

 

ናይ ስፖርት ማሕበራት

ኣብ ጀርመን ኣብ ኩሉ ቦታታት ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣለዉ። እተን ማሕበራት ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፖርት የዳልዋ። ሊስታ ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣብ ከባቢ ፕሎን ኣብ www.ksv-ploen.de ኣለኩም። ዑቕባ ሓተትን ስደተኛታትን ውን ኣብተን ማሕበራት ኢንሹራንስ ሓደጋ ኣብ ግዜ ስፖርት ኣለዎም። ነዚ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ www.ksv-ploen.de/index.php/aktuelles ኣቲኹም ተወከሱ።

 

3. ጉዳይ ጥዕና

ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2016 ጀሚሩ ናይ ሕክምና ካርድ ንነፍስወከፍ ስደተኛ ክዕደል እዩ። ክሳብ ሽዑ ግን ነዚ ዝስዕብ ኣገባብ ተኸተሉ። ቅድሚ ሕክምና ወይ ናብ ሓኪም ምኻድኩም ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (እንዳ ኣደይ ኣመተ) ኬድኩም ናይ መሐከሚ ወረቐት ኣምጽኡ። ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ትቕመጡ እንተለኹም ድማ ነቲ ኣላዪኹም ተወከስዎ።

ኣብ መጽሓፍ ኩነታት ጥዕና ስደተኛታት Gesundheitsheft für Asylbewerberinnen und Asylbewerber ብ ስእሊ ዘተሰነዩ ናይ ምርድዳእ ኣገባባት ምስ ሓኪምን ሓበሬታ ብዛዕባ ሕክምናን ክንክንን ብዝተፈላለየ ቓንቃ ኣለኩም። ሓታሚ፡ ማሕበር ስእልን ቃንቃን (Verein Bild und Sprache e.V.)። ዝምላእ ፎርሙላ ናይ ሓኪም ኣብዚ ትረኽብዎ፡ www.tipdoc.de ከምኡ ውን ኣብ www.medi-bild.de ብነጻ ካብ መርበብ ከተራግፍዎ (ዳውንሎድ) ትኽእሉ ኢኹም። ካልኦት ናይ ስእሊ መረዳድኢ ሓገዛት ዝርከብዎም መርበብ ሓበሬታ፡

www.tipdoc.de, www.medi-bild.de.

www.rki.de/asyl

Impfkalender des Robert-Koch-Instituts in 20 Sprachen

 

4. ስራሕን ትምህርትን

ኣብ ጀርመን ክትሰርሑ ምስ ትደልዩ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ወረቐት የድልየኩም። ሕግታቶም ቀጻሊ ስለ ዝቀያየሩ ኣብ ኣማኸርቲ ከድኩም ብዛዕባ እዚ ክትውከሱ ዝሓሸ እዩ። ቃንቃ ከይመለኽካን ዝኾነ ሞያ ከይሓዝካን ኣብዚ ሃገር ስራሕ ክትረክብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። Kreiskoordination ውይ lokale Koordination ዝበሃሉ ትካላት ድማ ነቲ ንዓኹም ዝበቅዕ ኣማኻሪ ስራሕ ንኽትረኽቡ ይተሓባበሩ። ንኣብነት ከም ቤት ዕዮ ፕሎን (Arbeitsagentur Plön ውይ Jobcenter Plön) ። ኣማኸርቲ ን ካብ ጀርመን ወጻኢ ዝተጠረየ ሞያ IQ-Netzwerk SH ውይ Zentrale Bildungs- und Beratungsstelle für Migrantinnen und Migranten ኣብ ኪል ዝርከብ ድማ ካብቶም ኣገደስቲ ኣማኸርቲ ትምህርቲ ን ስደተኛታት ተባሂሎም ዝተመስረቱ እዩ። ብዛዕባ ስራሕ ኮነ ናይ ስደት ምኽሪ፡ ናይ ቃንቃ ትምህርቲ ውይ ውን ፕሮጀክትታት የገልግል። ብቃንቃ ጀርመንን እንግሊዝን ZAV (Zentrale Auslands- und Fachvermittlung) ድማ ኩሉ ብዛዕባ ኣብ ስራሕ ዓለም ከመይ ጌርካ ይእቶ ንዝብል ሕቶ ሓቤሬታ ይህብ። Migration-Checkከኣ ኣካል ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኮይኑ ናይመጀመርያ ስራሕ ከተናድዩ ይሕግዝ። ኣብ ሃገርኩም ዝኾነ ሞያ ወይ ትምህርቲ እንተነይሩኩም ኣብ ጀርመን ክሳብ ክንደይ ክሰርሕ ከምዝኽእል ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ዉሉዕ መስመር መርበብ (ኦን ላይን) ናይ ዩኒቨርስቲ ኪሮን Universität Kiron ስደተኛታት ብ ኣህጉራዊ ቅቡል ዝኾነ ሞዮኦም ውይ ትምህርቶም ንኽጥቀምሉ ይሕግዝ። ብተወሳኺ "World-Class Education For Refugees“ ተወከሱ።

ተቐባልነት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተቐስመ ሞያታት

ጽሑፋት ብዛዕባ ተቐባልነት ሞያን ትምህርትን ኣብ ስደት ዝተቐስመ Leitfaden zur Anerkennung ausländischer Schul- und Bildungsabschlüsse ምስ ኣድራሽኦምን ትሕዝቶምን ኣብ IQ-Netzwerk Schleswig-Holstein ንረኽቦ። መሰረታዊ ዝኾኑ ሓበሬታታት ብዛዕባ ሞያን ትምህርትን ኣብ ካልእ ሃገር ዝተቐስመ ብ ሸሞንተ ቃንቃ ኣብዚ www.anerkennung-in-deutschland.de ንረኽቦ፡፣

ኣማኸርቲ ተቐባልነት ሞያ ኣብ ሽለስዊግ ሆንሽታይንI eng How to Germany

እዚ IQ-Netzwerk ናይ ናጻ ዝኾነ ምኽሪታት ብዛዕባ ኣብ ስደት ዝተቐሰመ ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት የእንግድ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ ከተማ ኪልን ነይሙንስተርን ይርከቡ። ንዝታዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከሱ Anerkennung von im Ausland erworbenen Qualifikationen ። ሊስታ ናይዘን ኣማኸርቲ ኣድራሻታት ድማ ኣብ IQ Netzwerkflyer ትረኽብዎ።

ኣብዚ ሃገር ስራሕ ምርካብ

ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ኢምግሬሽንን መርበብ ገጽ ዝተፈለላለዩ ሓበሬታታት ብዛዕባ ስራሕን ሞያን Arbeit und Beruf ትረኽቡ ኢኹም።

ብ ተበግሶ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝተመስረተ ፍሉይ ናይ ስራሕ መድለዪ ቦታ ን ስደተኛታት ኣብዚ ትረኽቡ Jobbörse Flüchtlinge ከምኡ ውን Jobbörse für Flüchtlinge «Workeer« ። በብትሕዝትኡ ስራሕ ትደልይሉ ቦታ www.bewerberdschungel.com ኣለኩም። ዝያዳ ሞያ ክትድልቡ ምስ ትደልዩ ድማ IQ-Netzwerk, Kursnet der Arbeitsagentur, SH Kursportal ኣቲኹም ኣናድዩ።

ስራሕ ወለንትነት

ኣብዚ ሃገር ብነጻ ዝሕግዙ ሰባት ብዙሓት እዮም። እስኹም ውን ካልኦት ጽጉማት ክትሕግዙ ምስ ትደልዩ ኣብ ወለንትናዊ ስራሕ ከባቢ ፕሎን Freiwilligencenter im Kreis Plön ከድኩም ክትምዝገቡ ትኽእሉ። ክእለትኩምን ሞያኽሙን ብዘየገድስ፡ ሓገዝኩም ዝደሊ ሰብ ክህሉ ስለ ዝኽእል ምፍታን ኣይጽላእን እዩ። ዋላ ውን ብስራሕኩም ማሃያ ተዘይረኸብኩም ሰብ ንኽትላለዩን የዕሩኽቲ ንኸተጥርዩን ክሕግዘኩም ይኽእል ይኸውን።

ካልኦት ሓገዝቲ ተጠወቕቲ (ሊንክስ)


- ናይ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን Bundesministerium für Arbeit und Soziales

- መእተዊ ሓበሬታታት ን ሃገረ ጀርመን ካብ እይ ክሳብ ዘድ www.howtogermany.com 

- ሓበረታታት ብዛዕባ ሃገረ ጀርመን Just Landed 

- ሓበረታታት ን ክኢላታትን ትካላትን www.make-it-in-germany.com

ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታታት ምስ እትደልዩ፡ www.willkommen.schleswig-holstein.de

5. መንበሪ ገዛ

ኣብ "Willkommen in Deutschland" (እንቃዕ ናብ ጀርመን ብደሓን መጻእኩም) ዝብል ጽሑፍ ወረቐት ናይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሃገረ ጀርመን፡ ሰፊሕ ሓበሬታታት ብዛዕባ መንበሪ ገዛ ትረኽቡ።


ማይ፡ ማይ ቡንባ ከይተሰከፍኩም ክትሰትይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ምኽንያቱ ጽሬት ማይ ቀጻሊ ስለ ዝምርመር። ስለዚ ናይ ጎማ ማይ ካብ ዱካን ምግዛእ ኣየድልየኩምን እዩ።

 

መውዓዪ ገዛ፡ መውዓዪ መዓልታዊ ክሳብ መወዳእታ ምስ ትውልዕዎ ክፍሊት ክኸብረኩም እኽእል እዩ። ስለዚ ምዉቕ ክዳውንትን ኮቦርታን ምስ ትጥቀሙ ነቲ መውዓዪ ብመጠኑ ክትውልዕዎ ይከኣል። መውዓዪ ገዛ ክትውልዑ ከለኹም ድማ ኩሉ ግዜ መስኮት ዕጸው።

 

ኣገባብ ኣጎሓሕፋ፡ ኣብዚ ሃገር ዳግማይ ጥቕመት (ሪሳይክሊንግ) ብዙሕ ስለ ዝዝውተር፡ ጎሓፋት ከከም ዓይነቶም ፈላሊኻ ምግሓፍ ኣዝዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣስተምህሮ ብዛዕባ ስርዓት ኣጎሓሕፋ ኣብ ከባቢ ፕሎን ንኽትፈልጡ ኣብዚ hier ጠውቑ።

 

ስርዓት ገዛ፡ ናይ ሓባር መነባብሮ ብጽቡቕ መታን ክሰላሰል፡ ሕገ ስርዓት ገዛ ኩሉ ተቐማጢ ከኽብር ኣገዳሲ እዩ።

 

ንፋስ ምእታው፡ ዋላካ ቆራሪ ንፍስ ይእቶ ደኣምበር ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ኩሉ መስኮት ን ዓሰርተ ደቒቕ ከፊትኩም ንፍስ የእትውሉ። በዚ ዓይነት ኣገባብ ድማ ካብ መንደቕ ከይስብብን ብጠንቁ ዝመጹ ሕማማትን ንከላኽል።

 

ኣሰራርሓ መግቢ፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግባርኩም ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ምድጃ ሕተቱ። ኩሉግዜ ብድስቲ ገርኩም ጥራይ መግቢ ስርሑ።

 

ኣቕሑ ገዛ፡ ካልኣይ ኢድ ኣቕሑ ኣብ Pro Cell e.V. ኣቲኹም ትረኽቡ። ውይ ድማ ኣብ Möbellager Kirchenkreis Plön-Segeberg ኬድኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብመርበብ ኢንተርነት ከም በዓል ኢበይ ውይ ኣብ ናይ ኣብውራጃዊ ወጺሄት መርበብ ኢንተርነት ዝወጽእ ዝሽየጡ ነገራት ብሑሱር ዋጋ ክግዛእ ይከኣል።

 

ክፍሊት ራድዮን ተለቭዥንን፡ ኣብ ሓድሽ ገዛ ምስ ትኣትዉ፡ ደብዳቤ ናይ ዜና ማዕከናት ግብሪ Rundfunkbeitrages ክፈል ዝብል ክመጸኩም እዩ። እዝደብዳቤ ንዝኾነ ሰብ ኣብዚ ሃገር ገዛ ዝቕይር ይመጾ። ይኹን ደኣምበር ኩሉ ሰብ ኣብዚ ሃገር ክኸፍል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ብመሰረት ሕገ ዑቕባ ዝነብሩ ሰባት ካብዚ ክፍሊት ግብሪ ነጻ እዮም። ኣብዚ ዝሰዕብ ተጠዋቒ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ን ኣከፋፍላ ግብሪ ማዕከን ዜና ዝምልከት ብዝተፈላለየ ቓንቃ ኣለኩም Rundfunkbeitrag- Informationen verschiedenen Sprachensprachen/index_ger.html ። ካብዚ ግብሪ መላቐቒ ፎርም ምስ ትደልዩ ኣብዚ hier ውይ ድማ ብዝተፈላለዩ ቓንቃታት ኣብዚ Migration ጠውቑ።

6. ምኽርን ደገፍን

ምኽርን ደገፍን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክርከቡ ይኽእሉ።

- ናይ ክብረ-ኣገልግሎት ደገፍ፡ ኣብዚ ሃገር ናይ ክብረ-ኣገልግሎት ስራሕ ማለት፡ ተሓባቢርካ ምስራሕን ነጻ ኣገልጉሎት ን ጽጉማት ምሃብን ማለት እዩ። ክብረ ኣገልጋሊ ድማ ወልቀ ሰብ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሃገር ጥጡሕ መገዲ ክትረኽቡ ዝሕግዝ ሰብ እዩ። ኣብ ኩሎም ማሕበራት ድማ ከምዚ ዓይነት ሓገዛት ትረኽቡ።

- ደገፍ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት፡

1. ምእላይን ምድላውን ብኣካል ተረኺብካ፡ ኣብ ነፍሲ ወገፍ መንግስታዊ ትካላትን ነፍስ ወከፍ ከተማን ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ናይ ስደተኛታት ተኸናኸንቲ ኣለዉ። ን ስደተኛታት ዝወሃብ ንጥፈታት (ከም ትምህርቲ ቃንቃ፡ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት ወዘተ) ይከታተሉን ናብ ነጻ ኣገልጉለትን ኣማኸርትን ንኽትከዱ ድማ ይተሓባበሩ። ነዞም ሰብ ሞያ ክትረኽቡ ምስ ትደልዩ ኣብዚ ተወከሱ፡ Lokale Koordination im Kreis Plön

2. ናይ ኣማኸርቲ ኣድራሻታት፡ ኣብ ከባቢ ፕሎን ዝተፈላለያ ናይ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ። ናይ ስደተኛታት ኣምኻሪት ትካል AWO Integrationscenters in Preetz und Plön ኣላትኩም። ከምኡ ውን ኣማኻሪት ስደተኛታት ን ዓበይቲ (ኤም ቢ ኢ)ን ማሕበራዊ ኣማኻሪት ስደተኛታት (ኤም ኤስ ቢ) ብ ቓንቃታት ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ሩስያ ከምኡ ውን ብ ዓረብ የእንግዳ። እዘን ትካላት ብተወሳኺ ናብ ዝምልከቶም ኣማኸርቲ ንኽሰድኹም ውን ይተሓባበሩ። ሓበሬታ ብዛዕባ ኣማኸርቲ ስደተኛታት ብዝተፈላለዩ ቓንቃታት ኣብ "Lassen Sie sich beraten" ናይ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ዑቕበኛታትን ስደተኛታትን ኣለኩም። ኣድራሻ ናይ እተን ኣገደስቲ ኣማኸርቲ ቦታታት ኣብ ታሕቲ ኣለኩም። 

3. ኣማኸርቲ ትካላት ወጻኢ ካብ ከባቢ ፕሎን ዝርከባ፡

- ኣማኸርቲ ምምላስ ሃገርካ Centrum für internationale Migration und Entwicklung (CIM) ይትግበር። እዚ ትካል ብ ምትሕብባር ኣህጉራዊ ሓባራዊ ስራሕ ሃገረ ጀርመን Deutschen Gesellschaft für Internationale Zusammenarbeit (GIZ) ከምኡ ውን መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ዝተመስረተ እዩ።  

- ቤተ ሰብካ ምድላይ፡ ኣብ ስደት ትመጽሉ መንገዲ ሰብኩም ምስ ዝጠፍኣኩም ኣብ DRK Suchdienstናይ ጀርመን ቀይሕመስቀል ብ ዓሰርተ ቓንቃ ዝተጻሕፈ ኣለኩም። እቲ መርበብ ኢንተርነት ድማ ብ እንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይ፡ ስጳኛ ከምኡ ውን ብ ዓረብ ኣብ Family Links Suchdienst ኣለኩም።  

- ርክባት፡ ኣብ ኪል ዝተፈላለያ ናይ ስደተኛታት ማሕበራትን ናይ ወጻእተኛታት ትካላትን ይርከባ። https://www.kiel.de/leben/kiel_international/Adressen.php

 

ሊስታ ናይተን ኣገደስቲ ኣማኸርቲ ትካላት ኣብ ፕሎንን ከባቢኡን

ምሉእ ኣድራሻ ሰለ ዘየለ፡ international@kreis-ploen.de ኣቲኹም ተወከሱ።